Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv (ትግርኛ)
ሓጺር መግለጺ ብዛዕብ እዚ ፕሮጀክት።
Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv ኔትዎርክ ወይ ድማ ማሕበር ናይ HIV
ዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ አብ ሃገር ሽወደን ዩ’፡፡ ዕላማ ናይዚ ማሕበር ናብተን
ብ HIV ዝተተቕዓ ደቀንስትዮን ናብ ማሕበረሰብ ብዛዕባ HIV ፍልጠት ንምዝርጋሕ ዩ’።
ዝኾነት ጓል አንስተይቲ ናታ ውልቃዊ ወይ ውን ናይ ማሕበረሰብ አፍልጦ ብዛዕባ HIV ክተዕቢ እትደሊ አብዚ ማሕበር ክትሳተፍ ትክእል እያ።
እዚ ማሕበር (ኔትዎርክ) አብ 2015 ንምምስርታ ተበግሶ ዝወሰዳ ኽልተ ብHIV ዝተጠቅዓ ደቀንስቶ ዩ’። እዘን ኽልተ ደቀንስትዮ
ብዛዕባ ናይ ደቀንስትዮ ሕማም HIV አብ ሽወደን ንHIV ብዝምልከት ብዙሕ አቃልቦ ይወሃብ ብዘይምንባሩ ሕጉሳት አይንበራን።
እዚ ፕሮጀክት አብ መጀመርያ ብ Karolinska Institutet (KI) ይመሓደር ኔሩ። ካብ 2017 ግና ብ Posithiva Gruppen (PG) Stockholm ይመሓደር አሎ።
እዚ ማሕበር እንታይ ይገብር?
Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv በዓላት፣ ምሸታዊ መደባት ፡ ሓሳብ ትለዋወጠሉ ዎርክሾፓት የዳሉ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታት አብ ስቶክሆልም የካይድ። ከምኡውን ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ አብ ኩሉ ቦታት ሽወደን ተመሳሳሊ ከነዳሉ ንክእል። አብቲ አብ ስቶክሆልም ዝዳሎ ንጥፈታት ክትሳተፍ ምስትደልትዩ እሞ ድማ ንመገሻ ዝኸውን ቁጠባ ምስዝሓጽረኩም ምስቲ ነቲ ንጥፈታት ዘዳሉ አካል ተራኸቡሞ ዝከአል እንተኾይኑ ፍታሕ ንምርካብ ክፍተን ይኸአል። አብዚ ማሕበር ዝግበር ንጥፈታት ንምስታፍ ካብ ክፍሊት ነጻ ዩ’።
እዚ ማሕበር አብ ምንታይ አርእስታት ይሰርሕ?
ንአብነት እዚ ማሕበር ካብ ዘልዕሎም አርእስቲ ብዛዕባ ሳዕቤናት ናይ መድሃኒት፤ እርጋን፡ መሰላት፡ ርክባት፣ ተነጽሎታትን ምንባርን ይርከብዎም።
ናይ መዛረቢ ዛዕባ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎን አየናይ አርእስቲ ብማሕበር ደረጃ ንክዝረበሉ ሓሳባት
ዘቕርባ እተን ደቀንስትዮ አብዚ ማሕበር ዝሳተፋ እየን። እንተ ደኣ ጓል አንስተይቲ እሞ ድማ ብHIV ዝተጥቕዕኪ ኮይንኪ ናይ
መዛረቢ አርእስቲ ከም ሓሳባት ምስ ፕሮጀክት ግሩየን (Projekt Gruppen) ተዘራርብኪ ከተቕርቢ ትክእሊ። ከምእውን ብናይ
ማሕበርና ፎርም (ቋንቋ ሽወደንን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ) አቢልኪ ክትሰዲ ትኽእሊ።
ክትረኽቡና ምስትደልዩ’
ብዛዕባ ፕሮጀክታትና ሕቶታት እንተለኩም ወይ እውን ምስ ፕሮጀክት ግሩፕ (Projekt gruppen)
ብ kunskapsnatverk@posithivagruppen.se ወይ ውን ብተለፎን ቁጽሪ 070 – 040 77 81 ክንክትረኽቡና ትኽእሉ። ደብዳቤ
ክትልእኹልና ወይ ብኣካል አብ ቤት ጽሕፈትና ክትመጹ ምስትደልዩ አድራሻና Östermalmsgatan 5, 114 24 Stockholm.